መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ቀንዲ ተቓዋሚ ጒጅለን: ሓድሽ ዙር ዘተ ሰላም ምክያዶም ሰብመዚ ሱዳን ገሊጾም ኣለዉ።
እዚ ዘተ ሰላም: ኣብታ ሃገር ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ግጭት ንምፍታሕ: ፋይዳ ክህልዎ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ውን: እቶም ሰብመዚ ገሊጾም ኣለዉ። ነዚ ዘተ ሰላም: መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ብዓብደልዓዚዝ ኣልሒሉ ዝምራሕ ውድብ SPLM-ሰሜንን ዘአንገደ: ፕረሲደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር እዩ።
ኣብዚ ትማሊ ረቡዕ ዝተኻየደ ርክብ: ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን: ሓላፊ ሉኣላዊ ቆንስል ሱዳን: ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን ዓብደልዓዚዝ ኣልሒሉን ከም እተረኽቡ ድማ ተገሊጹ።
ካብ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ: እዞም ወከልቲ መንግስቲ ሱዳንን ተቓዋሚ ጒጅለን ዕጹው ኣኼባኦም ክቕጽልዎ እዮም።
ፕረሲደንት ደቡብ ሱዳን: ሳልቫ ኪር: “ክልቲኣቶም ወገናት ነዚ መንፈስ ዘተ ክቕጽልሉ: ኣብ ክንዲ ኲናት ከኣ: ኣብ ሰላም ከተኲሩ” ምሕጽንታ ምቕራቡ ተገሊጹ። ንሱ ወሲኹ “ካብ ኲናት ዝርከብ ምንም ድሕነት የለን። ንሕና ደቡብ ሱዳናውያን ክሳብ 2005 ን 15 ዓመት ተቓሊስና ንደልዮ ምሉእ ብምሉኣ ኣይረኸብና” ምባሉ ተገሊጹ።
ሒሉ: ብወገኑ “ጠንቂ ግጭት ኮይኑ ዘሎ ጒዳያት ኣሊና: ኣብ ሰላም ከነተኲር ድሌት ኣሎና” ኢሉ’ሎ።
ወኪል ኣመሪካ ኣብ ሱዳን: ዶናልድ ቡዝ: ክልቲኣቶም ወገናት ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ፖለቲካዊ ድሌት ከርእዩ” ተላብዩ ኣሎ።
ኣማኢት ደቂ ኣንስትዮ: መንእሰያትን ሰብኡትን እምባታት ኑባ: ሰሜን ኮርዶፋን: ነቲ ዘተ ሰላም ብደርፊ እናሰነዩ ከም ተቀበልዎ: ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ሓቢራ።