መንግስቲ ሽወደን፡ ከባብያዊ ዕንወት ዘየስዕባ ናይ ጽዕነት መካይንን ማሽነሪታትን ንዝገዝኣ፡ ኩባንያታትን ምምሕዳራትን፡ ንምትብባዕ ናይ 20 ሚልዮን ክሮነር ሓገዝ ሰሊዑ ምህላዉ TT ሓቢሩ።
ዓበይቲ መካይን፡ ዓመታዊ፡ ክሳብ 6 ሚልዮን ቶን ዝኸውን ካርቦንዳይኦክሳይድ (CO2) ከምዘትክኻ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ምምሕዳራትን ኩባንያታትን፡ ብኤሌክትሪክ፡ ብጋዝ ወይ ድማ ብኤታኖል (Ethanol) ዝሰርሓ ናይ ጽዕነት መካይንን ማሽነሪታትን ኣብ ዝገዝኣሉ እዋናት፡ መንግስቲ፡ 20% ካብቲ ዋጋ ክኸፍል ምዃኑ ገሊጹ።
ሎሚ ሓሙስ፡ እዚ ውሳነ ክጸድቕን፡ ካብ 7 መስከረም ጀሚሩ ድማ ኣብ ግብሪ ክውዕልን ሓላፍነት ተሰኪሙ ዘተግብሮ ኣካል ድማ ኣሃዱ ጸዓት ሽወደን ምዃኑ መንግስቲ ሽወደን ሓቢሩ።
እዚ ተሰሊዕ ዘሎ ገንዘብ፡ ነተን ዓመታዊ 700 ቶን ካርቦንዳይኦክሳይ ዘውጽኣ 70 ተሽከርከርቲ ጥራይ ዝኣክል እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዘገድስ ግን፡ ከምቲ ምስ ናእሽቱ መካይን ዝገበርናዮ ናብ ኤሌክቲሪክ ናይ ምልዋጥ መስርሕ፡ ነዘን ዓበይቲ ተሽከርከርቲ ድማ፡ ናብ ከባብያዊ ዕንወር ዘየስዕባ ምልዋጥ እዩ ክትብል ሚኒስተር ኣከባቢ፡ ኢዛቤላ ሎቪን፡ ምስ መርበብ ሓበሬታ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ።