በዓልመዚ ማሕበራዊ ድሕነት (Försäkringskassan) ንሽዱሽተ ናይ ስኒ ሕክምናታት ዝህቦ ዝነበረ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ብምኽንያት ምስ ዓሎቕ እተተሓሓዘ ጉዳያት ደው ከብሎ ምውሳኑ ተገሊጹ።
ምግሃስ ናይ መንግስታዊ ሓገዝ (ድጎማ) ከም እተገብረ እኹል ሓበሬታን ጭብጥን ድሕሪ ምእካብና ጥራይ ነቲ ዝግበር ዝነበረ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከነቋርጾ ንግደድ ክብል ዳይረክተር እቲ መርማሪ ኣሃዱ ኽዋኪም ሮድስትሮም ምስ ሬድዮ ኤኮት ኣብ ዝገብሮ ርክብ ሓቢሩ።
ኣብ ሽወደን፡ ገለ ክፋል ዋጋ ሕክምና ኣስናን ብመንግስቲ ዝሽፈን ኮይኑ እቲ ክሊኒክ ቅብሊት ብምቕራብ ነቲ ዕዳ ካብ መንግስቲ ክወስድ ከም ዝኽእል ዝፍለጥ እዩ። እዚ መሰል ንኹሎም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ወይ ዝሰርሑ ሰባት ዝመልከት ከም ዝኾነ ድማ ሮድስትሮም ገሊጹ።
እዚ ደገፍ ሕክምና ኣስናን ብእምነትን ሓላፍነትን ዝተሃንጸ እኳ እንተኾነ 6 ናይ ስኒ ሕክምናታት ነዚ ሓገዝ ኣብ ዘይግቡእ መዓላ ብምጥቃም ነቲ ስርዓት ምግሃሶም፡ በዚ ድማ ንሕጋዊ ተሓታትነት ተቓሊዖም ክብል ሮድስትሮም ዘረብኡ ዛዚሙ።