ማዕከን መድሕን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ኣታዊ እምበር ኣብ ሰዓታት ስራሕ ክምርኰስ የብሉን ክትብል መርማሪት ማርያ ሄሚንግሶን ናብ ሚኒስተር ዕዮ ኢቫ ኖርድማርክ ኣብ ዘቕረበት እማመ ገሊጻ። መንግስቲ ዝያዳ ወጻኢታት ካብ ምፍሳስ ዝዓግት ኣገባብ እዩ ኢላ ከም እትኣምን ኣብቲ እማመ ኣስፊራቶ ኣላ።
እዚ ኣገባብ ንዝነበረ ኣካይዳ ዘበላሹ እዩ ክትብል ሓዳስ ኣደ መንበር ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ሱዛን ጊደዮንሶን፡ ኣፍሊጣ።
እዛ መርማሪት መጠን ካሕሳ ከመይ ከም ዝመስል ዘርኢ ሓደ ሞዴል ናብ ፖከቲከኛታት ምቕራባ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ፋይናንሳዊ ኩነታትን ፖለቲካዊ ሕርያን ዝምርኮስ ውሳነ ምዃኑ እውን ማርያ ሃምስትሮም ኣመልኪታ’ላ።
ኢቫ ኖርድማርክ ኣብ ቅድሚኣ ብፍላይ ኣብ ሰልፊታት ዕዮን ክርስትያናዊ መሻርኽቱን ፖለቲካዊ ዘተ ክግበር እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘለዋ ትጠቅስ።
ኣብ መድሕን ሽቕለት ኣልቦነት ዝርከብ ካሕሳ ክትኣቱ ብውሕዱ ናይ 120 ሽሕ ክሮነር ዓመታዊ ኣታዊ ክህሉ ከምዝግባእን ካብዚ እተን ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብውሑድ ናይ 10 ሽሕ ወርሓዊ ኣታዊ ክህልወን ይግባእ። ካብ ሎሚ ጀሚሩ ድማ ሰባት ኣብዚ ናይ ድሕነት ኣገባብ እቱዋት ድዮም ወይስ ኣይኮኑን ምውሳን ከም ዝከኣል ድማ ተገሊጹ።
እዚ ንብዙሓት ዕዉታት ዝገብር ሞዴል ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንኽትትንብዮ እውን ዘየሸግር እዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ” ክብል ሓላፊ A-cash ሽወደን ቶማስ ኤሪክሰን ይገልጽ።
እቲ ካሕሳ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ስራሕ ኣልቦ ኮይኑ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ጸኒሑ፡ ኣብ ማዕከን መድሕን ሽቕለት ኣልቦነት ክንደይ ዓመታት ኣባል ነይሩ፡ ክንደይ ዝኣክል ኣታዊ ኣለዎ ዝብሉ ረቛሒታት ዘማልአ እዩ። ክፍሊት ካሕሳ ኣብ ቀዳሞት 100 መዓልታት ብ10% ዝጎድል ኮይኑ ኣብተን ዝስዕባ 100 መዓልታት ድማ ብ5% ይጎድል።
እዚ ዝቐረበ እማመ ንኹሎም ኣብ ሽቕለት ኣልቦነት ዘለዉ ሰባት ማዕረ ዝኾነ ካሕሳ ክረኽቡ ኣየፍቅድን እዩ። እቶም ኣብ ቀዋሚ ሽቅለት ዝጸንሑ ሰባት ዝበዝሐ (ማለት ክሳብ 300 መዓልታት ብ A-Cash) ክኽፈሉ እንከለዉ እቶም ሰንኮፍ ዝኾነ ታሪኽ ሽቕለት ዘለዎም ድማ ዝወሓደ (ማለት ናይ 100 መዓልታት) እዩ ክወሃቦ ብመሰረት እዚ እማመ።
እዚ ኣገባብ ማሕበረ ቁጠባ ንምዕዛዝ ዝያዳ ድርኺት ከም ዝፈጥር እቲ እማመ ይሟጎት።
ይኹን እምበር ቤት ጽሕፈት ዕዮ ነዚ እዛ ክኢላ ዘቕረበቶ እማመ ግዚኡ ዝሓለፎ እዩ ክብል ነቒፍዎ ኣሎ።
ሰልፊ ሊበራልን ሰልፊ ማእከልን ነቲ እማመ ደገፎም ገሊጾም ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን ኮንፈደረሽን ሞያውያን ሰራሕተኛታት ሽወደን (Tjänstemännens Centralorganisation) ነቲ እማመ ብኣወንታ ተቐቢልዎ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።