መንግስቲ ሽወደን ነተን ናይ ሃገር ሕጋውያን መንግስታውያን ትካላት፡ እቶም ሓለዋ ጸጥታ ከም ተሓጋገዝቲ ፖሊስ ኮይኖም ዚሰርሑሉ ሕግታት ንምምስራት ዘኽእል ምርምር ከካይዳ መምርሒ ሂቡ።
መንግስቲ እቲ ሕጂ ዘሎ ሕጊታት ከም ዝኣረገ፡ 40 ዓመታት ከም ዝገበረ ይገልጽ። እቲ 34 ነጥብታት ዘለዎ እማመ ክፋል ናይቲ ንጉጅለኣዊ ገበን ዚቃለስ እዩ።”ነቲ መምርሒታት ክንግምግሞም ኣሎና” ይብል ሚካኤል ዳምበርግ፡ ናይ ሽወደን ሚኒስተር ውሽጢ ሃገር፡ ”እቲ ዝነበረ ማሕበረሰብ ካብቲ ናይ ቀደም ኣዚዩ ተለዊጡ እዩ።
”እቲ ሚኒስተር እቲ ናይ ሓለዋ ጸጥታ ስራሕ እተሓላለኸ እዩ ይብል። “ብዙሓት ሓለውቲ ጸጥታ ምፍርራህን ዓመጽን ካልእ ገበናትን ይበጽሖም እዩ። ነቲ ስርሖም ንምፍጻም ገለ ናይ ፖሊስ ስልጣን ከዘውትሩ ይግደዱ፡ ግን ነዚ ንኺገብሩ ኪስልጥኑ ኣለዎም” ይብል።
እቶም ሓለውቲ ጸጥታ እንታይ ዓይነት ስልጣን ከም ዚህሉዎም እውን ጠቒሱ። እቲ ሚኒስተር፡ ናይ ጸጥታ ሓለውቲ፡ ተሓጋገዝቲ ፖሊስ እምበር ንፖሊስ ዚትክኡ ኣይኮኑን ይብል። እቲ ውጽኢት ምርመራ እንተ ደንጎየ ግንቦት 21-2021 ኪቐርብ እዩ፡ ብኣግነታ ባክሉንድ፡ ካብ ቤትምኽሪ ፍትሒ ድማ
ኪምራሕ እዩ።