ሰባት ብ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክታለሉ ከም ዘይብሎም ዝጒስጒስ መንግስታዊ ወፍሪ ሓበሬታ ይዳሎ ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ወፍሪ፡ ቅድሚ ጎስጓስ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምርጫ ሽወደን ክጅመር እዩ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተጸንሐ፡ ብሰንኪ ሩስያ ዝተተሓሓዘቶ ወፍሪ ሓበሬታ ሓሶት፡ እዚ ክጅመር ይግበር ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። ምስ ምምልካት ሃገራት ሽወደንን ፊንላንድን ን ኣባልነት NATO፡ ሩስያ ገዚፍ ወፍሪ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ተተሓሒዛቶ ምህላዋ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን ሞርጋን ጆሃንሰን፡ ከምኡ’ውን ኤጀንሲ ስነኣእምሮኣዊ ምክልኻል ሄንሪክ ላንደርሆልም፡ መንግስቲ ከምዚ ዝበለ ናይ ኦንላይን ወፍሪ ምጅማሩ ምንም ዘፍርህ የብሉን ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ።