መንግስቲን ሰልፊ ዴሞክራሲን ን ዕዮ ስደተኛታት ብዝምልከት ተወሳኺ መምርሒታት ሎሚ ዕላዊ ጌሮም። እዚ መምርሒታት ን
ቊጽሪ ናይቶም ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ትሕት ዝበለ ሞያ ሒዞም ዝመጹ ክውስን፡ ነቶም ልዕል ዝበለ ሞያ ሒዞም ዝመጹ
ኸኣ ከም ዝውስኽ ዝገብር እዩ።
"ሽወደን ልዕሊ ዝኾነ ኣዝዩ ብቚዕን ክኢላዊን ዓቕሚ ሰብ የድልያ’ሎ" ክትብል ሚኒስተር ስደተኛታት ማርያ ማልመር
ስተነርጋርድ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ’ላ።
ብመሰረት ውዕል ቲቶ፡ ን ፍቓድ ስራሕ ዘለዎም ዝወሃብ ዝተሓተ መጠን ደሞዝ ናብ 33,000 ክሮና ኣብ ወርሒ ክብ ክብል
ተጌሩ’ሎ። ይዂንምበር ብዓርቢ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ ዋዕላ እቲ ልክዕ መጠን ደሞዝ ገና ከም ዘይተወሰነን ን ገለ ስራሓት ከኣ
ሕድገታት ክግበር ምዃኑን ተገሊጹ’ሎ።