ኩባንያ መንገዲ ኣየር ስካንድናቪያ SAS ኣህጉራውን ዜቤታውን መስመራት በረርኡ ካብ ወርሒ ሰነ ክኸፍት ተዳልዩ ከምዘሎ እንዳሓበረ፡ ካብቲ ዝነበረ 290 መስመራት በረራ ንግዝይኡ 40 መስመራት ጥራይ ክኸፍት እዩ። መስመራት በረራ SAS ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ኣቋሪጹ ከምዝነበረ ይዝከር። መስመራት በረራ ኩባንያ SAS ምስ ኣተሓሕዛ ሃገራት ንቅልውላው ኮሮና ቫይረስ ዝተኣሳሰር እዩ። ቁጽሪ ናይተን ዶባተን ዝኸፍታ ሃገራት ምስ ዝውስኽ በረራ እታ ኩባንያ ክውስኽ እዩ ትብል ሓላፊት መጽሔት ኩባንያ SAS ዝኾነት ፍሪያ ኣናማትዝ። ኩባንያ SAS ካብ ኣርላንዳ ናብ ማልሞ፡ ካልማር፡ ሸርሊፍቶን ኢንግልሆልም ፈላሚ ዜቤታዊ በረርኡ ክጅምር እዩ። ብተወሳኺ ድማ ካብ ኣርላንዳ ናብ ሄልሲንኪን ኦቦን ኣብ ዝተፈላለዩ ዕለታት በረራ ክጅምር እዩ።
ኣብተን መስመራት በረራና ዝጥቀማ ሃገራት ዘሎ ንቅልውላው ኮሮና ዝምልከት ቀይድታት ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፡ ሽወደን ንዘይተደልየ መገሻታት ንኽይዝውተሩ ቀይዲ ገይራ ኣላ፡ ይኹን እምበር፡ ንስራሕን ካልእን ክገሹ ዝግደዱ ሰባት ከምዘለዉ ክፍለጥ ይግባእ ክትብል ኣናማትዝ ሓቢራ። ኣህጉራዊ በረራ ኩባንያ SAS ካብ ውሽጢ ኖርወይ ኮይኑ፡ ካብ ቤርገን ናብ ኮፐንሃገን ከምኡ ድማ ካብ ስታቫንገር ናብ ኮፐንሃገንን ኣበርዲንን ክጅመር እዩ። ብምቕጻል ካብ ኮፐንሃገን ናብ ኣሚስተርዳም፡ ኒውዮርክን ሺካጎን በረርኡ ክቕጽል እዩ። ኩባንያ SAS ብዝሒ ናይተን ኣብ በረራ ዝነበራ ነፈርቲ ናብ 30 ነፈርቲ ክብ ከብል ምዃኑ ተፈሊጡ።