መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ (SAS) ፡ ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ተወሳኺ ክሳራ ከም ዘጋጠሞ፡ እንተኾነ ግና ጠለብ ገያሾ ይምለስ ምህላዉ፡ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻቡ ኣፍሊጡ። “ንቡር ምምላስ ጠለብ ገያሾ እኳ እንተሎ፡ ዘይርጉጽነት ግና ሕጂ’ውን ኣይጠፍአን” ክብል ፕረሲደንት፡ ከምኡ’ውን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣንኮ ቫንደር ቨርፍ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ። እቲ ኲባንያ፡ ካብ ሓደስቲ ወፍሪታት ክሳብ 9.5 ቢልዮን ክሮና ሽወደን ክኸስብ ተዳልዩ ምህላዉ፡ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።