18 ዝዕድሜአን ኮኾብ ተቐዳደምቲ ጒያ 400 ሜትሮ ናሚብያውያ ክሪስቶን ንቦማን፡ ብያትሪስ ማስሊንጊን ኣብ ኣርባዕተ ውድድራት ዓለምና ተሳቲፈን ኣለዋ። ሜዳልያ እናዓተራ እናሃለዋ ድማ ዘይተሓስበ መርድእ መጺእወን—-መጠን ነስዒ ተስተስትሮን ኣካላተን ካብቲ ብሕጊ ኦሊምፒክስ ዝተወሰነ ዝልዕል ብምዃኑ ካብ ጸወታ ክእገዳ ምዃነን ዝነግር። በዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቶክዮ (ጃፓን) ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ውድድር ጒያ 400 ሜትሮ ብዕሊ ተኣጊደን ኣለዋ።
እንተኾነ ግን፡ እዘን ኣትሌታት፡ ነዚ ብኮሚቴ ኦሊምፒክስ ዝወጸ ሕጊ ክቃለስኦ ምዃነን ገሊጸን ኣለዋ።
“ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጻእናን መዕበያና ድማ ዝተፈላለየን ከም ምዃንና መጠን ኣፋጥራና እውን ክፈላለ ንቡር እዩ። ስለምንታይ እዮም ንዓና ምስ ካልኦት ዘወዳድሩና ? እዚ ፍትሓዊ ውሳነ ኣይኮነን” ክትብል ማሲሊንጊ ነቲ ውሳነ ከም እትቋወሞ ሓቢራ።
እዘን ኣትሌታት፡ ዛጊት ኣብ ልዕሊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ክሲ እኳ እንተዘይመስረታ፡ ናይ ምውድዳር መስለን ክሕለወለን ክቃለሳ ምዃነን እየን ዝገልጻ።
“ትም ኣይክንብልን ኢና” ክትብል ማሲሊንጊ ቃልሰን ክቕጽለኦ ምዃነን ኣመልኪታ።