ኣብ 2022 መሸጣ መጻሕፍቲ ብ 2.4% ምጒዳል ኣርእዩ። እዚ ኣብ ዝሓለፋ 8 ዓመታት እተራእየ ፋላማይ ምጒዳል ዋጋ እዩ።
“ዘለናዮ ዓመት ንመሸጥ መጻሕፍቲ ምቹእ እዩ፡ እንተኾነ ግና መጻሕፍቲ ህጻናት ምጒዳል ኣርእዩ’ሎ” ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ
“ማሕበር ኣሕተምቲ ሽወደን” ሚካኤል ዘብሮድስኪ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ስቶክሆልም ወናኒ ቤተመጻሕፍቲ ሄደንግረንስ ዝኾነ ኒክላስ ብዮርኮልም እዚ ስታቲስቲክስ ከም ዝገረሞ፡ ድኳኑ እትሸጦ
መጻሕፍቲ ኸኣ ወሰኽ ምርኣዩ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።