ትማሊ ረቡዕ፡ መስጊድ ዮተበሪ፡ ጻዕዳ ሓርጭ ዝሓዘ ናይ መፈራርሂ ደብዳቤ ከም ዝተቐበለን ሰብመዚ እቲ መስጊድ ድማ ተቐላጢፎም ንፖሊስ ከምዝሓበሩ ተፈሊጡ።
እቲ መልእኽቲ ብዕሉግ ቃላትን ምፍርራህን ከም ዝነበሮ ዝሓበረ ናይቲ መስጊድ ገጻት ፌይስቡክ፡ ዋላኳ ምፍርራህ ዘለዎም መልእኽቲታት ክንቅበል እዚ ፋልማይና እንተዘይኮነ፡ ብልሓቱ ዘይተፈልጠ ሓርጭ ዝሓዘ ተመሳሳሊመልእኽቲ ናብ ካልኦት መሳጊድ ስለዝተላእከ ሓደገኛ ክገብሮ ይኽእል እዩ ይብሉ።
ፖሊስ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝግባእ ሓበሬታ ሂብናዮም ኢና፡ ምስጢሩ ክፈትሕዎ ድማ ተስፋ ንገብር ብምባል መሳጊድ ሽወደን ዘድሊ ጥንቃቐታት ክገብራ ይግባእ ክብል ብመንገዲ እቲ ጸብጻብ ዝተመሓላላፈ መልእኽቲ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብ ሽወደን ዝርከባ መሳጊድ፡ ጻዕዳ ሓርጭ ዝሓዘ መልእኽቲ ከምዝበጽሐን ይዝከር። ብተወሳኺ፡ ኣብ ማልመ ዝርከብ ኢስላሚክ ሰንተርን መስጊድ ማሕሙድን ካብተን ከምዚ ዓይነት መልእኽትን ምፍርራህን ዝበጽሐን ኮይነን፡ ፖሊስ፡ ነቲ ጻዕዳ ሓርጭ ድሕሪ ምምርማር፡ ራዕዲ ንምፍጣር እተላእከ እምበር፡ ተጓዳኢ ባእታ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።
እዚ ናይ ራዕዲ መልእኽቲ፡ ምስቲ ኣቐዲሙ ብዴንማርካዊ ራስሙስ ባሉዳን ዝተበግሰ፡ ቅዱስ ቁርኣን ናይ ምቅጻል ፍጻሜታት፡ ርክብ ኣለዎዶ ንዝብል ሕቶ ኣመልኪቱ ፡ ወሃብ ቃል ፖሊስ፡ እዚ ቀጥታዊ ርክብ ኣለዎ ኢልና ዘይንግምት እኳ እንተኾንና ተኽእሎታት ግን ክህልዎ ይኽእል እዩ ኢሉ።
ሓላፊ ሽወደናዊ ቤት ጽሕፈት ኢፍታእ፡ ሼኽ ስዒድ ኣዛም፡ ኣብ ልዕሊ እስላምና፡ ዓሌታዊ ጽልኢ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ፡ ምስ ጋዜጣ ኮምፓስ፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ድሕሪ ምግላጹ፡ ሽወደን፡ ንመሳጊድን ቤተ እምነታትን ሓለዋ ክተሐይል ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።