ኤጀንሲ ስደተኛታት ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ፍቓድ ስራሕ ብምስራዝ፥ ኣብ ክንዳኡ ልዑል ክኢላዊ ዓቕሚ ንዘለዎም ወጻእተኛታት
ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ መስርሕ ዘሳልጥ ኣሃዱ ከቕውም እዩ።
"በቲ ዝጸንሐ ኣካይዳ፡ ኲባንያት ሽወደን ዝደልያኦም ሰራሕተኛታት ወጻኢ ፍቓድ ስራሕ ንክረኽቡ ብማእከላይ ገምጋም ክሳብ 4
ኣዋርሕ ክጽበያ ጸኒሐን እየን። ምስ ልዑል ጠለብ ክኢላዊ ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ወጻኢ፥ ሽወደን በቲ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ክትቅጽል
ኣይትኽእልን እያ። በዚ ሓድሽ ውደባ ናይ ትጽቢት ግዜ ክሓጽር ከምኡ’ውን ዝሓሸ ኣገልግሎት ክወሃብ እዩ ዝብል እምነት ኣሎና።
እዚ ካብ መላእ ዓለም ሰራሕተኛታት ክቖጽራ ንዝደልያ ኲባንያታት ሽወደን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዕባለ እዩ" ክትብል ኣባል ሰልፊ
ሞደራትና ከምኡ’ውን ሚኒስተር ስደተኛታት ማርያ ስተነጋድ ገሊጻ’ላ።
ሚኒስተሪ ስደተኛታት ነቲ ዝጸንሐ ነዊሕ ናይ ትጽቢት እዋን ብምምሕያሽ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ፍቓድ ስራሕ ዝወሃበሉ
ኣገባብ ኣሚቱ ምህላዉ፡ እዚ ድማ ህሉው ጸጋታት እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ግምት ብምእታው ተተግባሪ ምዃኑ ዳይረክተር ጀነራል
ኤጀንሲ ስደተኛታት ሚካኤል ሪበንቪክ ኣመልኪቱ። ነዚ ብምባል ድማ ቊጽሪ ኣሳለጥቲ ስታፍ ካብ 200 ናብ 300 ክብ ክብሉ
ተጌሩ ምህላዉ ሪበንቪክ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።
እዚ ልዑል ክኢላዊ ዓቕሚ ዝብል ኣምር ንኣካየድቲ ስራሕ ከምኡ’ውን ካልእ ልዑል ደረጃ ትምህርቲ ንዝሓትት ስራሕ ዘመልክት
እዩ–ብመሰረት ምደባ ደረጃታት ሞያታት ሽወደን።