ከም ጸብጻብ ሓደ ናይ ኢራን ቤት ፍርዲ እንተኾይኑ፡ ናይቲ ሽወደናዊ-ኢራናዊ ዝኾነ ሓቢብ ቻብ፡ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍርዲ፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ኣብ ኢራን ክጅመር ምዃኑ ተፈሊጡ።
ቻብ፡ ክልቲኡ ናይ ሽወደንን ኢራንን ዜግነት ዘለዎ ኮይኑ ብሰንኪ እቲ ተኸሲሱሉ ዘሎ ናይ ግብረ ሽበራዊ ገበናት ናይ ሞት ፍርዲ ክፍረዶ ከምዝኽእል’ዩ ዝንገር ዘሎ።
ናይ ቤት ፍርዲ ሰነዳት ከም ዘመልክትዎ፡ ቻብ፡ ብመንግስቲ ኢራን ከም መራሒ ናይ ሓደ ASMLA ተባሂሉ ዝፍለጥ ተፈንጫሊ ውድብ ተቖጺሩ እዩ ተኸሲሱ ዘሎ። እዚ ውድብ’ዚ ድማ ብመንግስቲ ኢራን ከም ‘ግብረ ሽበራዊ’ ጉጅለ ከምዝኾነ ዝፍለጥ’ዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ዓመተ 2018 ኣብ ኩዘስታን ዝባሃል ኣውራጃ ዝተፈጸመ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ፡ ኢድ ኣለዎ ክብል እዩ ከሲሱዎ ዘሎ። መብዛሕትኦም እቶም ኣብቲ እዋን ዝተቐትሉ ሰባት፡ ኣባላት ናይቲ ሰውራ ኢራን ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓይሊ ከምዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
Asmla ካብ ኢራን ተነጺሉ ናጻ ሃገር ክምስርት ዝደልይ ውድብ ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ።
መንግስቲ ቱርኪ ንኢራን፡ ኣብ ዓመተ 2020 ንቻብ ካብ ሃገራ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ከም ዝጨወየቶ እያ ትኸስስ። ናይ ቱርኪ ናይ ጸጥታ ትካላት’ውን ነቲ ዝተፈጸመ ጭውያ፡ ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ብዝተደገፈ ቪድዮ ብምግባር ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከምዝፈነውዎ ዝዝከር’ዩ።
እቲ ጉዳይ ዓቢ ናይ ዓለም ኣቓልቦ ከምዝረኸበ ዝፍለጥ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ፡ ናይ ሸወደን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣን ሊንደ፡ ምስ መንግስቲ ኢራን ብዛዕባ ሓቢብ ቻብ ኣመልኪታ ከምዝተራኸበትን እቲ ተኸሳሲ ናይ ሕጊ ምኽሪ ክረኽበሉ ዝኽእለሉ ዕድል እንተሎ’ውን ሕቶ ከምዘቕረበት ተፈሊጡ’ሎ።