መርመራ ምፍንጃር ትሕተ-ማያዊ መትረብ ጋዝ (ኖርድ ስትሪም) ፡ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ክዛዘምን እቲ ሓቁ ክፍለጥን እዩ ክብል፡
ዋና ኣኽባር ሕጊ ሽወደን ማትስ ሊንቪስት ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትሕተ ማያዊ መትረባት ጋዝ “ኖርድ ስትሪም 1’
ከምኡ’ውን “ኖርድ ስትሪም 2” ብምኽንያት ምፍንጃር ዕንወት ከም ዝወረዶም ዝፍለጥ እዩ። ተመራመርቲ ሽወደን ምስ ናይ
ጀርመን ብምትሕብባር እዮም ነዚ መርመራ ዘካይድዎ ዘለዉ። እዞም መትረባት ጋዝ ካብ ሩስያ ናብ ጀርመን ዝግበር ሰደድ ጋዝ
ንምስላጥ ዝተዘርግሐ ናይ ትሕተ-ማይ መሰረተ-ልምዓት እዮም።
ኣብዚ መርመራ ኣሰር ናትቲ ተፈንጃሪ ባእታ ከም እተረኽበን፡ እቲ ተፈንጃሪ እተሰርሓሉ ፍሉይ ባእታ ብምልላይን ናብ ሓደ
መደምደምታ ይበጽሑ ምህላዎምን ሊንቪስት ኣመልኪቱ’ሎ። እንተኾነ ግና ምስ ጀርመናውያን መዘናታቱ ብዛዕባ ዝበጽሕዎ
መደምደምታ ተወሳኺ ዝርዝራት ኣይሃበን።