መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ንነዊሕ ግዜ ምስ መርሕቲ ናይ ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ክነጽግዎ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ግን መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ኡልፍ ክሪስተርሰን ምስ መራሒ ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራሲት ጂሚ ኣኪሰን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተራኺቦም ምዝታዮም ኣብ ናይ ፌይስቡክ መዝገቡ ኣስፊሩ። “ብዛዕባ ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ጒዳያት እታ ሃገር ተዛቲና።
ክልቲኣተን ሰልፊታትና ኣብ ገለ ጒዳያት ተመሳሳሊ መርገጺ ኣሎና” ክብል ክሪስተርሰን ይገልጽ። ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ንዛዕባ ዝቐረቡ ጒዳያት ጒዳይ ጉጅለኣዊ ገበን፥ ጸዓት፥ ኢሚግሬሽን ምንባሮምን ሃናጺ ዘተ ምክያዶምን ከኣ ኣብሪሁ። ክልቲኣተን ሰልፊታት ብኽብሪ እየን ተዛትየን ድማ ኢሉ። መራሒ ሰልፊ ሰልፊ ስቫርያ ብወገኑ እዚ ርክብ ሃናጺን ኣብ መጻኢ ዝህሉ ፖከቲካዊ ሃዋሁ ትስፉው ንኽኸውን ኣዝዩ ሓጋዚ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ገሊጹ’ሎ።