ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ኣፍደገ ሓደ መስጊድ ቅዳሕ ቁርኣን ድሕሪ ምቅጻሉ፥ ዝበዝሑ ተኸተልቲ እስልምና ኣብ
ዘለዉወን ገለ ሃገራት፥ ሓያል ግብረ መልሲ ምስዓቡ ተገሊጹ። ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ብርክት ዝበላ ሃገራት እስላም
ኣምባሳደራተን ካብ ሽወደን ክስሕባ እንከለዋ፡ ኢራን ናብ ሽወደን ሓድሽ ኣምባሳደር ክትልእኽ ዘይምዃና ገሊጻ’ላ። እቲ ዝወሃብ
ዘሎ ግብረ-መልሲ ክሳብ ክንድዚ ሓያል ዝኾነ ስለምንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ ኣመልኪቱ፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ፕሮፌሰር
መጽናዕቲ እስልምና ኦሊቨር ሻርብሮድ፥ ድሒሩ ዝተኸስተ ምንዳድ ቁርኣን፡ እዚ ተግባር ቀጻኢ ክረአ እዩ ናብ ዝብል ተስፋ ምቑራጽ
ይወስድ ብምህላዉ ምዃኑ ገሊጹ።
ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ኣስላም ሽወደን ነዚ ዳሕረዋይ ምቅጻል ቊርኣን ኣመልኪቱ ዝኾነ ሰፊሕ ተቓውሞ
ኣይተኻየደን፡፡ እዚ ድማ መራሕቲ ማሕበረሰባት ኣስላም ጥንቁቕ ኣገባብ ክኽተሉ ስለ ዝደልዩ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዞም
መራሕቲ ኣቓልቦ ህዝቢ ክስሕቡ ዘይምድላዮም ቀንዲ ምኽንያት እዚ ልዙብ መልሰ ተግባር እዩ ክብል ሻርብሮድ ወሲኹ
ገሊጹ’ሎ። ዘይከም ፊንላንድ ሽወደን ንምቅጻል ቊርኣን ኣካል መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ጌራ እያ እትርእዮ። እንተኾነ ግና ሚኒስትሪ
ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን “ነቲ ተግባር ምቅጻል ቊርኣን ከም ዝዂንኖ” መግለጺ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።