መራሒ ጸጋማይ ሰልፊ ዮናስ ሾስተድት ኣብ ዝመጽእ ናይ ወርሒ ግንቦት ኣኼባ ባይቶ ሰልፉ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ተዛሪቡ። ንሱ መራሒ ጸጋማይ ሰልፊ ኣብ ዝኾነሉ ዓመተ 2012 ካብ ኣርባዕተ ሚእታዊት ዘይበዝሕ ድምጺ ምርካቡን እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ሪክስጋደን ክውከል ዘኽእሎ ኣዝዩ ዝተሓተ ነጥቢ ምኳኑ ኣመልኪቱ። ናይ ቀረባ እዋናት ናይ ፈተነ ድምጺታት ከም ዘመልክትዎ ሰልፉ ካብ ዓሰርተ ሚእታዊት ዝበዝሕ ድምጺ ኣይክረክብን እዩ።
በዚ ድማ ኣብ ምርጫ 2018 ንማሕበራዊ ዴሞክራሲ ናይ ሕዳጣን መንግስቲ ከቕውም ከም ዝሓገዞን ይፍለጥ። ዮናስ ሾስተድት ስልጣን ንምርካብ ምስ ማእከላይ ሰልፊ ኣብ ውዕል ምብጽሑ ብብርቱዕ ተነቒፉሉ ምንባሩ’ውን ዝዝከር እኳ እንተኾነ ንሱ ካብ ስልጣን ዝወረደሉ ምኽንያት እዚ ዘይምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብ ክንድኡ ጸጋማዊ ሰልፊ ኣብ ፖሊሲታት መንግስቲ ዝጭበጥ ጽልዋ ከሕድር ባህጊ ከም ዘለዎ ንደገፍቱ ገሊጹ ሎ።