መራሒ ኣይቮሪ ኮስት ነበር: ጉልያመ ሶሮ: ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ንሕልፈት ክእሰር ዘሕለፎ ውሳነ ከም ዝነ ጸጎ ገሊጹ።
እዚ ውሳነ: ዘይፍትሓዊ ብምዃኑ ኣነ ኣይቅበሎን እየ፥ ብፖለቲካ ዝተደረኸን ዕሉል ምግሃስ ግዝኣተ ሕጊን ዝዓብለሎ ውሳነ እዩ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ’ሎ።
እዚ ውሳነ ኣብ ፖለቲካ ዳግማይ ንኸይነጥፍ ኮነ ተባሂሉ እተገብረ እዩ ክብል ድማ ኣዋዲቕዎ’ሎ። ፈራዲ ኣካል ኣይቮሪ ኮስት: ብፈጻሚ ኣካል እታ ሃገር ተደሪኹ ዝገበሮ እዩ ድማ ኢሉ።
ቃልሱ ብምቕጻል ንሃገርን ትካላትን ኣይቮሪ ኮስት ዳግማይ ክቈጻጸር እየ ክብል ድማ ቃሉ ሂቡ’ሎ።
ብኣካል ኣብ ዘይተረኽቦ መጋባእያ እዩ: ሶሮ ንሕልፈት ተፈሪዱ ዘሎ። ካብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ኣትሒዙ ሶሮ ኣብ ስደት እዩ ዝነብር ዘሎ።
ንሱን ካልኦትን ብውዲትን ዕልዋ መንግስቲን ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ብምእታውን እዮም ተኸሲሶም።
ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ: ሶሮን ሰልፉን: ብክሲ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ካብ ውድድር ከም ዝተገለፉ ይዝከር።