መራሒ ቦኮሓራም: ኣቡበከር ሺካይ: ሰራዊቱ ምስ ኣባላት ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገብርዎ ኲናት: ብጽኑዕ ቆሲሉ ወይ ሞይቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምንጪታት ስለያ እታ ሃገር ብምጥቃስ: ማዕከናት ዜና ናይጀርያ: ገሊጸን።
ኣቡበከር ሺካይ: መራሒ ናይቲ ካብ 2009 ንደሓር: ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ብምጽንሑ ዝፍለጥ: ቦኮ ሓራም: ዝተባህለ ዕጡቕ ጒጅለ እዩ። ዛጊት ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት በዚ ጒጅለ ከም እተቐትሉን ሚልዮናት ድማ ካብ መነባብረኦም ብምምዝባል: ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ: ዓብዪ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፍጠር ከም ዝገበረ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብሓሙስ: ካብ ስለያዊ ምንጪ ዝተረኽቡ ሓበሬታታት ከም ዘመልክትዎ: ሰራዊት ቦኮሓራም ምስ ኣባላት ዳዕሽ ጨንፈር ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበርዎ ኲናት: ሼካይ: ብብርቱዕ ቈሲሉ ወይ ሞይቱ ክኸውን ይኽእል እዩ ይበሃል ኣሎ።
ዳዕሽ: ኣባል ቦኮሓራም ዝነበረ: ጸኒሑ ኣብ 2016 ኣብ ሃይማኖታዊ ስነሓሳብ ብዘይምስምማዖም ዝተፈንጨለን ሓይሊ ምዃኑ ይፍለጥ። ቦኮ ሓራም ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝገብሮ መቕተልቲ ሓደ ካብ ምንጪ ዘይምስምማዕ ክልቲኣቶም ኣሸበርቲ ጒጅለታት እዩ ይብል ኣልጀዚራ።
ሞት ወይ ሃለዋት መራሖ ቦኮ ሓራም: ዛጊት ብነጻ ምንጪታት ከረጋግጽ ከም ዘይከኣለ ሮይተርስ ሓቢሩ።
መራሒ ቦኮሓራም: ሞይቱ ክበሃል እዚ ናይ መጀምርታኡ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመታት ብርክት ዝበለ ግዜያት ሞይቱ ከም እተባህለን ገሊኡ ብሰራዊት ናይጀርያ ከም እተነግረን ዝዝከር እዩ።