ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ንሽወደን ብሕማቕ ኣገባብ ይመርሓ ኣሎ ክብል መራሒ ሰልፊ ዴሞክራሲ ጂሚ ኣኬሰን፡ ትማል ረቡዕ ኣብ ኣልመዳሌን ኣብ ዘስምዖ መደረ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ 8 ዓመታት ማግዳሌና ኣንደርሾንን ሰልፋን ሕማቕ ምሕደራ እዮም ተኺሎም ዘለዉ–ዝበለ ኤክሰን– ድሕሪ መደረኡ ሰልፉ ስልጣን እተሒዞም ክትግብርዎ ወጢኖሞ ዘለዉ 100 ዝርዝር መደባት ኣስሚዑ’ሎ። መደረኡ፡ ብፍላይ ኣብ ገበንን ስደተኛታትን ዘተኰረ ምንባሩ፡ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።