ብሰልፊታት ሞደራትና፡ ዴሞክራሲ ሽወደን፡ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲን ሰልፊ ሊበራልን መንግስቲ ንምቛም ዝተኣትወ ውዕል ብሰልፊ ሊበራል ውሽጣዊ ነቐፌታ የስዕብ ምህላዉ ተገሊጹ። ምንጪ እዚ ኣብ ሰልፊ ሊበራል ተኸሲቱ ዘሎ ነቐፌታ ኣብ ኣመና ብዙሕ ነጥብታት ሕድገት ምግባሩ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
እንተኾነ ግና መራሒ ሰልፊ ሊበራል ዮሃን ፐርሾን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነዚ ውዕል ዝቐርቡ ዝበዝሑ ነቐፌታታት ኣብ ጒዳያት ስደተኛታት፡ ክንክን ጥዕናን ትምህርቲን ምስ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ንምንታይ ዘቲኹም ዝብሉ እዮም ክብል ገሊጹ’ሎ።