መራሒት ጸጋማይ ሰልፊ ኑሺ ዳድጎስታር ኣብ ዋዕላ ፖለቲካ ኣልመዳሌን ኣብ ዝሃበቶ መደረ ዓሚ ምስ መንግስቲ ልዝብ ምክያዳን ሓደስቲ ኣባይቲ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ከይካረዩ ምግባሩን ከም ዓብዪ ዓወት ሰልፋ ከም እትርእዮ ገሊጻ። ዳድጎስታር ን ህዝባዊ ድሕነት ድሕሪ ምንኣድ ነቲ ህዝባዊ ምወላ ዝረኽባ ኲባንያታት ኣብ ጽላታት ትምህርቲን ህዝባዊ ጥዕናን ክዓያ ዝብል ፍታሕ ግና ከም እተባጭወሉ ገሊጻ’ላ።
ኣብያተ ትምህርቲ ብመኽሰብ ክዓያ ኣበርቲዓ ከም እትቃወም ኣብቲ መደረኣ ኣመልኪታ’ላ።