መራሒት ማእከላይ ሰልፊ ኣኒ ሉፍ፡ ብቕድሚ ትማል ረቡዕ ኣብ ዋዕላ ኣልመዳሌን ኣብ ዝሃበቶ መደረ፡ ሽወደን ተወሳኺ ጸዓት ኤለትሪክ ብኸመይ ተመንጩ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ምትኳራ ተፈሊጡ። ንሳ ነዚ ዝምርምር ኮሚሽን ቅልውላው ጸዓት ከተቕውም ከም እትደሊ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።
ኣብ መሰከረም 11 ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን፡ ሰልፊ ማእከላይ ደገፉ ክህቦም ዝደልዩ እንተ ኮይኖም፡ መራሕቲ ሰልፊታት ማሕበራዊ ዴሞክራሲን ሞደራትናን ኣብዚ ጒዳይ ፖሊሲኦም ክቕይሩ ከም ዝግባእ፡ ሉፍ ወሲኻ ኣተሓሳሲባ’ላ።