ብርክት ዝበሉ መማህራን ኦስሎ ስደተኛታት ተመሃሮ ዩክሬይን ምቕባል ክንክእል ዲና ዝብል ሻቕላ ከም ዘለዎም ኖርወይ ቱደይ
ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። እዘን ኣብያተ ትምህርቲ ድሕሪ ለነዳ ድሮ ሰንኮፍ ጥዕና ዘለዎም ተመሃሮ ኣብ ምክንኻን
ተጸሚደን ናይ ባዕለን ሽግር ኣብ ምቅላል ከም ዝርከባ እዋን ወሲኻ ኣመልኪታ።
ካብ ኦስሎ ብወገን ምብራቕ ዝርከባን ጻዕቂ ስደተኛታት ዘለወንን ብ ለበዳ ኮሮና እተጠቕዓን ኣውራጃታት ሰንኮፍ ጥዕና ዘለዎም
ተመሃሮ ኣብ ምክንኻን ዝዓበየ ብድሆ ከም ዘለወን ጋዜጣ ክላስካምፐን ጸብጺባ’ላ።
መምህርን ኣባል ማእከላይ ቦርድ ማሕበር ትምህርቲን ስምኦን ማልኪንስ እዘን ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ለበዳ ሃጓፍ ከም
ዝፈጠራ ድሕሪ ምግላጽ “ኲናት ዩክሬይን ሒዝዎ መጺኡ ዘሎ ቅልውላው ንምብዳህ ዓቕመን ከበራብራ ከድልየን እዩ” ክብል
ገሊጹ’ሎ።