ሕጽረት ማግነዚዩም ብቐሊሉ ዘጋጥም ጸገም ኣይኮነን፡ ብኣንጻሩ ማግነዚዩም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መግቢ ክርከብ ይኽእል። ንኣብነት፦
- ሕብራዊ ባኒ ወይ ካልኦት ብሕብራዊ ጥረ-ምረ ዝስርሑ መግብታት፡ ብዝተጣሕነ ጥረ-ምረ ዝተሰርሑን
- ኣሕምልቲ
- ፉል
- ጸባን ውጽኢት ጸባን
- ስጋ
- ከምኡ’ውን ማይ ኣብ ትሕዝቶ ማግነዚዩም ተራ ይጻወት’ዩ
ስለዚ ጥዕና ዘለዎ መስተን መግብን ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ፡ ዋላ’ውን ጸቕጢ-ኣእምሮ ኣብ ዝስምዓና ግዜ። በዚ መገዲ ኣብ ኣካላትና ዝርከብ ትሕዝቶ ማግነዚዩም ከይውዳእ ንከላኸል።
ምልክታት ሕጽረት ማግነዚዩም
ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ሕጽረት ማግነዚዩም ምስዝህልወካ፡ ኣካላውን ስነ-ኣእምራውን ምልክታትን ጸቕጢ-ኣእምሮን ከጋጥም ይኽእል። ጸቕጢ-ኣእምሮ፡ ኣካላትካ ብብዝሒ ማግነዚዩም ከህልኽ ይገብር፡ ስለዚ ትሕዝቶ ማግነዚዩም ኣብ ኣካላትካ ክጎድል ይኽእል። እቲ ሕጽረት ማግነዚዩም እናዓበየ ብምኻድ፡ ናብ ዝለዓለ ጸቕጢ ብምምራሕ ኣብ ሓደ እከይ ዓንኬል የንብረካ።
ብሰንኪ ሕጽረት ዘጋጥም ነገራት
ሕጽረት ማግነዚዩም እንተድኣ ኣሊካ፡ ፊዚካላዊ ዓቕምኻ እናጎደለ ይኸይድ። ፊዚካላዊ ዓቕምኻ ትሑት እንተኾይኑ፡ ቀልጢፍካ ክትደክም ትጅምር። በዚ ምኽንያት፡ ናይ ምንቅስቓስ ድሌትካ ይጎድል፡ ኣካላትካ ካብ ኣብ ጫካታት ምዝዋር ወይ ኣብ ገምገም ባሕሪ ምዝናይ፡ ኣብ ሶፋ ኮፍ ምባል ይመርጽ። ብተወሳኺ ሕጽረት ማግነዚዩም ኣብ ናይ ምጽዋር ዓቕምኻ’ውን ጽልዋ ኣለዎ። ኣዝዩ ልዑል ጸቕጢ-ኣእምሮ ናብ ዝተሓተ ተጻዋርነት ከምርሕ ይኽእል።
ዝለዓለ ትሕዝቶ ማግነዚዩም ኣብ ኣካላት፡ ብመንገዲ ማግነዚዩም ትሕዝቶ ዘለዎ ከኒና ጥራይ ይርከብ። ብተወሳኺ ማግነዚዩማዊ ጨው ወይ ማዕድናዊ ማይ’ውን ዝለዓለ ትሕዝቶ ናይ ማግነዚዩም ኣለዎ።
ናይ ኣመጋግባ ምኽሪ
ሕጽረት ማግነዚዩም ንምውጋድ፡ ጥዕና ዘልዎ ሂወት ምምራሕ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ጥዕና ዘለዎን ዝተፈላለየ ዓይነታት መግቢ ምስ ሓድሽ ፍሩታን ኣሕምልትን ምውሳድ። ጥዕና ዘልዎ መስተ ምስ እኹል ማይን፡ እኹል ድቃስን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ማለት’ዩ።
ምንጪ: Eritreeërs Gezond