ብዘይካ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኲለን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ሽወደን፥ ነቲ መንግስቲ ዘውጽኦ ፍቓድ ስራሕ ንምሕዳስ ዘዲ
ዘድሊ ዝተሓተ ደሞዝ ከም ዝቃወማ ገሊጸን። ሰልፊታት ማእከልን ሓምለዋይ፡ እቲ ውሳነ ብፍላይ ንንግዳዊ ትካላት ሕማቕ ጽልዋ
ዘለዎ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ነቶም ኣብ ሽወደን ዘለዉ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ተሟጊቶም ኣለዉ። እዚ
እናኾነ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ነቲ ወሰኽ ከም ዝድግፎ፡ እቲ መጠን ካብዚ ተወሲኑ ዘሎ እንተዝልዕል እውን ቅር ከም
ዘይብሎ ኣመልኪቱ። ካብ ዜና ሰልፊታት ሽወደን ከይወጻእና—ንፍልስጤም ዝግበር ልምዓታዊ ሓገዝ ደው ክብል ኣለዎ ክብላ
ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዝተሓቚፋ ልፍንታያን ሰልፍታትን ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደንን ብቕድሚ ትማል ሰንበት ብቐጥታ ብቴሌቪዥን
ኣብ ዘካየድዎ ክትዕ ገሊጾም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን እዚ ናብ ፍልስጤም ሓገዝ ምቊራጽ ዝብል ሓሳብ
ብመንግስቲ ይግምገም ምህላዉ ሓቢሩ’ሎ። መራሒ ሊበራል ዮሃን ፐርሾን ናብቲ ሃገራዊ ተሌቪዥን ሽወደን SVT ብቐጥታ
ዘመሓላለፎ ክትዕ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ንማዕከን ዜና ቲቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ብቕትለት ዝንየትን፡ ንሽበራዊ ተግባራት
ዘተባብዕን ፖለቲካ ክንድግፍ ኣይንኽእልን ኢና” ምባሉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።