ሃገረ ነዘርላንድ ኩሎም ብዘይካ ካብ ምዕራብ፡ ካብ ካልእ ሸነኽ ሽወደን ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ገያሾ እታ ሃገር ንለበዳ ኮሮና መን ዝዉሸብ ንምልላይ ብመሰረት ዘዉጽኣቶ ሕግታት መብዛሕቶም ሽወደናዉያን ብብጫ ሕብሪ ከምዝተለለዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ብዘይካ ካብ ምዕራባዊ ሸነኽ ሽወደን ዝመጹ፡ ካልኦት ከይተወሸቡ ምእታዉ ከምዝኽእሉን እቶም ካብ ብጫ ሕብሪ ወጻኢ ዝተዋህቦም ግን 14 መዓልቲ ምዉሻብ ከምዘድልዮም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።