ሰራሕተኛታት፥ ቅድሚ እብረ ን 11 ሰዓታት ከዕርፉ ዝብል ሕጊ-ስራሕ ኣውሮጳዊ ሕብረት፥ ካብ ዝመጽእ ኣየት ኣትሒዙ ተግባራዊ
ክኸውን እዩ። እንተኾነ ግና፥ እዚ ሕጊ ምቕያር ሮስተር ንኽግበር ክቕስብ ይኽእል ብዝብል ኣብ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ
ሻቕላ ፈጢሩ’ሎ። ሽወደን ነዚ ሕግታት ክትትግብር ኣይጸንሐትን ዝበለ ኮሚሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት፥ እዚ ለውጢታት ን ሕውየት
ስታፍ ዕላማ ብምግባር ይትግበር ምህላዉ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
እንተኾነ ግና፥ ብምኽንያት ምብትታኽ እብረ፥ እዚ ሓድሽ ኣገባብ ዕድመ ድፍእ ዘበሉ ኣባላት ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ኣዘውቲሮም
ንኽሰርሑ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታት ኣሕዲሩ’ሎ።