ኣብ መወዳእታ ለካቲት፡ ኣስታት 341000 ሰባት–ወይ 6.5% ካብ ሓይሊ ሽቕለት፡ ኣብ ትካል “ሃገራዊ ኣገልግሎት ሽቕለት”
ስራሕ ዘይብሎም ተባሂሎም ከም እተመዝገቡ ተፈሊጡ።
እዚ ምስ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንክወዳደር ዝተሓተ ምዃኑ፡ ኣብ ለካቲት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሽቕለት ኣልቦነት
7.2% በጺሑ ምንባሩ እቲ ትካል ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ብዙሓት ኣስራሕቲ ዝደልይዎም ዓይነት ሽቕለት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ከይረኸቡ እዮም ጸኒሖም፡ ክትብል ተንታኒት ዕዳጋ ኤሚል
ፐርሾን ካብ “ኣገልግሎት ሽቕለት ሽወደን” ገሊጻ’ላ።