ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ክምርመር እየ ምባሉ ቢቢሲ ሓቢራ።
እዚ መርማሪ ኮሚሽን፡ ስርሑ ጽባሕ ዓርቢ ከም ዝጅምርን፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከም ዝቕጽልን ተገሊጹ’ሎ። እዚ መስርሕ መርመራ፡ ክሕደስ ዝኽእል እዩ ይብል እቲ ዜና።
እዚ መርማሪ ኮሚሽን፡ ተፈጺሞም ንዝተባህሉ ግህሰት ኣህጒራዊ ሕጊ ሰብኣውነትን ሰብኣዊ መሰላትን ብምምርማር እዞም ተግባራት ገዚፍ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ድዮም ኣይኮኑን ንዝብል ከጻሪ እዩ” ይብል እቲ ውድብ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ። መሻርኽቲ ዝበሎም ኣካላት ኣብዚ መርመራ ክሕግዝዎ ጻዊዒት ኣቕሪቡ ከም ዘሎ፡ ካብቲ ውድብ ዝተረኽቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኣምሓራን ገዚፍ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም እተፈጸመ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ክሕብሩ ከም ዝጸንሑ ይዝከር።
ብኻልእ ወገን፡ ከተማ መቐለ፡ ብተዛማዲ ሰላም እኳ እንተሃለዋ፡ ኣብታ ብብዝሒ እምባታት ዝመልአት ትግራይ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ልፍንታዊ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝግበር ዘሎ ኲናትን ተኸሲቱ ዘሎ ሰብ ዝሰርሖ ጥሜት፡ ህዝቢ፡ ንከቢድ መከራ ተቓሊዑ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ፡ መቐለ፡ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር፡ ካብተን ብኲናት ዝሕመሳ ዘለዋ ገጠራት ብዝመጹ ቊሱላት መሊአን ምህላወን ቢቢሲ ኣብ ናይ ሎሚ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ። ሓደ ካብዚኣቶም ወዲ 13 ዓመት ጌትሽ ሰለሙን እዩ። ንሱ ሕዱር ሕማም ልቢ እኳ እንተጸንሖ በዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ሻሙናይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ኲናት ኲነታቱ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኮይኑ ይርከብ። ካብታ ምስ ወለዱን ኣሕዋቱን ዝነብረላ ዝነበረ ሃገረ ሰላም ናብ መቐለ፡ ሕክምና ንምርካብ 50 ኪሎሜትር ብእግሮም ከም እተጓዕዙ ኣቦኡ ሰለሙን ተፈሪ ይገልጽ። “ቅድሚ እዚ ኩናት፡ ኣብ ዓድና ሆስፒታልን ማእከላት ጥዕናን ኔሩና” ይብል ሰለሙን።
ዝበዝሐ ሆስፒታላትን ትካላት ጥዕናን ትግራይ፡ ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም እተራሰየን ዝተረፈ ድማ መዓስከር ወተሃደራት ከም እተቐየረን ጸብጻባት የመልክቱ።