ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ መጠን ብዝሒ ኣኽራርነት ከይውስኽ፡ ሓላፊ ጸጥታ ሽወደን (Säpo)፡ ክላስ ፍሪቤሪ ገሊጹ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ።
ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ብዙሓት ሃገራትን ውልቀሰባትን፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዘስዓቦ ቁጠባዊ ሃስያ፡ ተጽልዮም ምህላዎምን ይፍለጥ። ጎኑ ጎኑ ድማ መጠን ሕሉፍ የማናዊ ኣተሓሳስባን ኣኽራርነትን እንዳ በዝሑ ይመጹ ምህላዎም፡ ፍሪቤሪ፡ ምስ ጉጅለ ምክልኻል ሽወደን (Saab) ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ውልቀ ሰባት ክፍጠር ንዝኽእል ሕርቃንን ቁጠዐን መዝሚዞም፡ ሕሉፍ ኣይዲዮሎጂካዊ ኣተሓሳስባ ዘተኣታትዉ ወገናት ክረአዩ ይጅምሩ ምህላዎም ገሊጹ። እዞም ወገናት፡ ነዚ ዘሎ ኩነታት መዝሚዞም፡ ብመንገዲ መርበባት ኢንተርኔት ኣቢሎም፡ ናይ ጥሩፍነትን ጽልእን ዝዘርኡ ሓሳባት ብምትሕልላፍ፡ ሓደስቲ ሰባት ኣብ መሳርዖም ክኸትቡ ይፍትኑ ኣለዉ ኢሉ። እዚ ጉዳይ፡ ንዝቕጽል ዓመታት ውን፡ ክንቃልሶ ክንነብ ኢና ክብል ዘረብኡ ዛዚሙ።