ሳምሶን ኣረፈ በዓልቲ ቤቱ ኤልሳ እምባየ ኣብ ቃልኪዳና እምንቲ ኣይኮነትን፥ ቆልዑና ኸኣ ካብይ ዝወለደቶም ኣይኮኑን ዝብል ሓሳባት ተናወጸ። ብገመድ ኤለትሪክ ሓኒቑ ከም ዝቐትላ ምስ ኣፈራርሃ ድማ ምስ ደቃ ሃዲማ ክትርሕቆ ትውስን። እንተኾነ ግና ኣይከእለትን። ኣብ መዓልቲ ልደት ድማ በዓል ቤታ ቀተላ። ንሱ “ሕርቃነይ ክቈጻጸር ኣይከኣልኩን” ክብል ኣብ ግዜ መርመራ ቃሉ ሃበ።
ሽዓ መዓልቲ ኣብ ኦኬልቦ ኣብ ዝተጸምበለ መርዓ ጉል 30 ዓመት ኤልሳ እምባየ ነዊሕ ድብን ዝበለ ቀምሽ ወድያ ከተሕልፎ ኣብ ምቅርራብ ነበረት። በዓልቤታ ሳምሶን ኣረፈ ዝወደየቶ ቀምሽ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዘሕፍር ጌሩ ብምሕሳብ ክትቅይሮ ሓተታ። ንሳ ግና “ብዛዕባ ዝኽደኖ ቀምሽ እንታይ ኣእተወካ? ክትፈልጥ ዝገበርካ ግበር እምበር ኣይቅይሮን እየ” ክትብል ከም ዝመለሰትሉ ኣብ ዝሃቦ ቃል መርመራ ይሕብር።
ሽዑ ንሱ” እንታይ ዓይነት ጊንጢ ጠባይ እዩ ዘሎኪ ግን” ኢለያ ይብል። ካልእ ተተረፈስ ነቲ ዕራቑ ዝወጸ ዝባና ብነጸላ ክትሽፍኖ ሓተታ። ንሳ’ውን ከምቲ ዝበላ ገበረት። ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ወዶምን ወዲ ኣርባዕተ ወርሒ ናጽላን ሒዞም ድማ ናብቲ ድግስ ኣምርሑ። ኣብቲ ምሸት ኤልሳ ምስ ካልእ ዕዱም ኮይና ሳዕስዐት። ካብ እትስዕስዕ ብዙሕ ከም ዝገበረትን ሕፍር ዝበለት ትመስል ከም ዝነበረትን መሓዛኣ ኣብ እዋን መርመራ ኣካፊሉኒ።
ኤልሳ እናሳዕስዐት እቲ መሓዛኣ ነቲ ናጽላ ህጻን ሒዙላ ነበረ። እዚ ድማ ንበዓልቤታ ሳምሶን ኣመና ኣቘጥዖ። “ኣመና እየ ብቚጥዓ ነዲደ” ይብል ሳምሶን። ብመሰረት ሕቶኡ ካብቲ ድግስ ተሰናቢቶም ናብ ቤቶም ኣምርሑ።
ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ወዶም ቶርታ ክሳብ ክቚረስ ብዘይ ምጽንሖም በኸየ። ድሕሪኡ ጐረባብቲ ምንቅስቓስ ኣቕሑ ቤት ዝጥዕም ድምጺ ምስምዖም፥ ጸኒሑ ናይ ሰበይቲ ዝመስል ናይ ቃንዛ ደሃይ ምስምዖምን ይገልጹ።
ድሕሪዚ እቲ ናጽላ ን 20 ደቓይቕ ዝኸውን ክበኪ ተሰምዐ። እዚ ህጻን ንኽንድዚ ዝኣክል ግዜ ክበኪ ልሙድ ብዘይምንባሩ ጐረቤቶም ደንጽዩዋ ፖሊስ ክትጽውዕ ሓሰበት። ድሕሪዚ ፖሊስ ኣብቲ መረባ ኮይኖም “ክፈት!” እናበሉ ክጭድሩ ምስምዓ ድማ ትዛረብ። ሳምሶን ኣረፈን ኤልሳን ኣብ ኤርትራ እዮም ተላልዮም። ንሱ ፖሊስ እዩ ኔሩ። ድቂ ምስ ሓዘት ተመርዕዮም።
ኣብ 2016 ንሱ ንሽወደን ኣተወ፥ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ድማ ንሳን ወዶምን ተጸንበርዎ። ኤልሳ ደጊማ ወለደት። እንተኾነ ግና ንሱ ኣብ ሓዳሮም እምንቲ ከም ዘይኮነትን እቲ ውላድ ናቱ ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ተጸናወቶ።
ኣብ ጽድያ 2019 እዚ ቅንኡ እናዓረገ መጸ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝተጽንበለ ጥምቀት ወዶም ምስ ኤልሳ ሽወደንኛ ምስ ዝውጽንዕ ሰብ ኣብ ባእሲ ኣተወ። ንኣኺን ንሓብትኺን ክቐትለክን እየ ክብል እውን ኣፈራርሀን።
29 ሰነ ኣጋ ምሸት ፖሊስ ናብ መንበሪ ቤት እቶም ስድራቤት ተጸውዑ። በዓልቤታ ሰኺሩ ብገመድ ኤለትሪክ ክሓንቃ ምዃኑ ምስ ኣፈራርሃ ድማ ብፒጃማ ጥራይ ናብ ግዳም ወጸት። ምስ በዓልቤታ ክትነብር ከም ዘይትኽእል ንፖሊስ ምስ ነገረቶም ናብ ግዜያዊ መንበሪ ክወስድዋ ምዃኖም ነገርዋ።
እንተኾነ ግና ብዘይ ወዳ ክትከይድ ፍቓደኛ ዘይምዃና እያ ነጊራቶም። ወዶም ኣብዚ ግዜዚ ምስ ኣሞኡ እዩ ዝቕመጥ ኔሩ። ድሕሪዚ ምፍርራህ ሳምሶም ምስ ወዱ ብምዃን ናብ እንዳ ሓብቱ ምኻዱን ኣብኡ ክነብር ጀመረ። ደቃ ክገድፈላ መልእኽቲ ሞባይል ሰደደትሉ። ደቃ ጥራይ ይሃባ እምበር ንሓዋሩ ክትገድፎ ምዃና እውን ንሓንቲ መሓዛኣ ነገረታ።
ቅድም እታ መርዓ ኣብ ዝነበረት መዓልቲ ( ማለት 14 ሓምለ) ሳምሶንን ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ወዶምን ብሓባር ናብ ቤቶም ተመሊሶም ሓደሩ። ሳምሶን ባዕሉ እዩ ናብ 112 ደዊሉ።
“ሞይታ እያ መስለኒ! በጃኹም ሓግዙኒ!” ክብል ድማ ጻውዒት ገበረ። ፖሊስ ናብቲ ቤት እንክበጽሑ ኤልሳ ድሮ ህይወታ ሓሊፉ ኣብ ምድርቤት ባኞ ጸንሓቶም። ኣብ ዓራት ክልቲኦም ደቆም ደቂሶም ነበሩ። ሳምሶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣተወ።
ሳምሶን ብተግባሩ ዝተጣዕሰ ይመስል ኣይነበረን፥ ብኣንጻሩ በቲ ፖሊስ ኣብ ኣእዳዉ ዘእተዉሉ ካቴና የማርር ኔሩ።
ሽዓ ምሸት ኤልሳ ምሟታ ሆስፒታል ኣረጋገጸ። ምኽንያት ሞት ሕጽረት ትንፋስን ኣብ ከባቢ ክሳዳን ሽክናኣን ብዝወረዳ ጎነጻዊ መጥቃዕቲን እዩ ዝብል ጸብጻብ ድማ ካብቲ ሆስፒታል ተረኽበ።
ንሱ ንስድራኡ ብምልዓል ተካል ሃይማኖቶም ምስ በለቶ ተቘጢዑ ከም ዝደፍኣ ተናዚዙ። ሳምሶን 17 ዓመት ማእሰርቲን ናብ ዓዱ ክስጐጒን ተፈሪዱ’ሎ። ንሱ ደፊእዋ ከብቅዕ ካብቲ ቤት ከም ዝወጸን ሞይታ ከም ዝጸንሓቶን ይገልጽ።
እቲ ዝገበራ ከም ዝውሕዳ ከም ዝሓስብ ድማ ቃሉ ሂቡ። እዚ እንታይ ማለትካ እዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተ ” ኣብ መጥሓን ስጋ እያ ክትኣቱ ዝግባኣ ኔሩ!” ክብል ገሊጹ። ቤትፍርዲ ከባቢ ያቭለ ሳምሶም ገበነኛ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ናይ 17 ዓመት ማእሰርቲን ዘይምለሰሉ ምስጓጒ ክትግብር ምዃኑን በይንሉ’ሎ።