ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ናይ ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ክታበት፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ብፍላይ ኣብ ዓንኬል ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ብርኡይ ክጎድል ከምዝተራእየ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ምስ ጋዜጣ ስቬንስካ ዳግብላደት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ ክልተ ጉጅለ ‘ዮም ተመቒሎም፣ ሓደ ጉጅለ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ እቲ ካልኣይ ጉጅለ ድማ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተኸትቡ እዮም ኔሮም። ካብዞም ልዕሊ 83,000 ሰባት ነፍሲ ወከፍ ክልተ ብልቓጥ ክታበት ፋይዘር ወይ ሞደርና ዝተኸትበ እዩ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይዚ ዓመት፣ ካብቶም ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ማለት፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተኸትቡ፡ ብገምጋም 150 ካብ 100,000 ክታበት ዝወሰዱ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ብኮቪድ ተለኺፎም። ብምንጽጻር ክረአ እንከሎ፡ እቶም ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ማለት፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተከትቡ ኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና፡ 400 ካብ 100,000 ዝተከትቡ ሰባት ብኮቪድ ከምዝተለኽፉ ተፈሊጡ።
ብመሰረት ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንደርሽ ተግነል፣ እዚ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምቅናሱ፡ ኣብ ትጺቢት ዝነበረ ምዃኑ ሓቢሩ።
እዚ ኣብ ካልእ ዓውድታት ‘ውን ተራእዩ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ምክልኻል ረክስን ተራ -ሕማምን እዩ ኣንቕልቁሉ። ምክልኻል ኣንጻር ከበድቲ ሕማማት ብዙሕ ዝተቀየረ ኣይመስልን። ኣብ ኣረገውቲ፣ ገለ ምክልኻል ኣንጻር ከበድቲ ሕማማት ‘ውን ጠፊኡ’ዩ፣ ኣብቶም ኣብ ንኡስ ዕድመ ዝርከቡ ግን፣ እቲ ምክልኻል ኣብ ዝለዓል ደርጃ ከምዘሎ ገሊጹ።
ንሱ ጸቒጡ፣ ኣንጻር ብቡርትዕ ንከይትሓምም ዝግበር ምክልኻል ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከምዘሎ ወሲኩ ሓቢሩ።
ብመሰረት ተግነል፡ እቲ መጽናዕቲ፣ ነቶም ብምክንያት ባህርያት ስርሖም፡ ንዝለዓለ ለበዳ ንኸይቃልዑ ተባሂሉ፡ ንክክተቡ ቐዳምነት ዝተዋህቦም ሰባት ዝምልከት ብምዃኑ፣ እዚ ሓበሬታ፡ ብጥንቓቀ ክቱርጎም ይግባእ ኢሉ።
ኣብ ሞንጎ ዝተከትቡን ዘይተከትቡን ሰባት ዘሎ ፍልልይ፣ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘየለ ተሓቢሩ።