ኣዛውራ መኪና ሰባት ምስ ዕድመ ዝቀያየር እኳ እንተኾነ ናይ ገለ ሰባት ምቅይያር ግና ምስ ፍልማዊ ደረጃታት ሕማም ረሲዕ (Alzeimer’s Disease) ዝተሓሓዝ ምዃኑ: ሓንቲ ተመራማሪት ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ ኣጣሊላ።
እዞም ናይ ኣዛውራ ፍልልያት ብ GPS ዝተሰነየ ሓበሬታ ብደቂቕ ክምዝገቡ ምጽንሖም ዝገለጸ እቲ ምርምር: ኣብ ሚዙሪ (ኣመሪካ) ዝርከቡ ልዕሊ 65 ዝዕድሜኦም ጒጅለ ነዚ ፍቓደኛታት ኮይኖም ከም እተረኽቡ ኣመልኪቱ።
ዕላማ እቶም ተመራመርቲ ንኣገባብ ኣዛውራ መካይን ብምጽናዕ ጥራይ ብዘይ ክቡር ናይ ሕክምና መርመራ ሕማም ረሲዕ ንምልላይ ምዃኑን ድሕሪ ናይ 365 መዓልታት ጽዕቕ ምክትታል ድማ እዚ ክግበር ከም ዝከኣል ብዘተኣማምን ደረጃ ከም ዘረጋገጹ የረድኡ።
ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ እቶም ሕማም ረሲዕ ዘለዎም ካብቶም ዘይብሎም ብዝዘሓለ ፍጥነት ከም ዝዝውሩ እንተዝኾነ ግና ሃንደበት ምቅይያራት ከም ዝገብሩ ተራእዩ። ብዘይካዚ እዞም ሕሙማት ብምሸት ከም ዘይጐዓዙን ካብ 10 ማይል ንላዕሊ ክኸዱ ከም ዘይመርጹን፥ ብተዛማዲ: ኣብ ዝያዳ ዝፈልጥዎ ከባቢ ጥራይ ክጓዓዙ ከም ዝመርጹን ድማ ትዕዝብቲ ተወሲዱ።