መራሒ ሕሉፍ ሃገራዊ ሰልፊ እስራኤል፡ በነት ነፍታሊ፡ ዝወስዶ ዘሎ ስጒምቲ፡ ነቲ ንዝነውሐ እዋን ንእስራኤል ዝመርሐ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ፡ ስልጣኑ ከም ዘብቅዕ ዝገብር ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ኣብ ባይቶ እስራኤል፡ ሽዱሽተ መናብር ዘለዎ ሰልፊ የሚና ዝመርሕ፡ በነት፡ ነዚ ኣመልኪቱ፡ ጻዕረይ ምስ ብጻየይ፡ ያሪ ላፒድ፡ ብምዃን ሃገራዊ ስሙር መንግስቲ መስሪትካ ነዛ ሃገር ናብ ንቡር መስመር ምእታው እዩ፡ ኣምላኽ ይሓግዘና፡ ኢሉ። በዚ ተግባሩ እስራኤል ገና ናብ ሓሙሻይ ተኸታታሊ ምርጫ ካብ ምእታው ከድሕና ከም ዝኽእል እውን ገሊጹ’ሎ።
ማእከላይ ሰልፊ ላፒድ፡ ረቡዕ ክሳብ ሰዓት 11:59፡ ሓድሽ ካቢነ ክምስርት ዕዮ ተዋሂብዎ ኣሎ። በነት፡ ነዚ መግለጺ ድሕሪ ምውጻኡ፡ ደቓይቕ ጸኒሑ ናታንያሁ፡ ነዚ ውጥን፡ “ጸጥታ እስራኤል ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውሳነ” ክብል ብትሪ ነቒፍዎ ኣሎ።
በነት፡ ንሃገራዊ ክንፊ እስራኤል ክሒዱ ኣሎ ዝበለ ናታንያሁ፡ እዞም ሃገራውያን ሰልፊታት፡ ነዚ ዝተባህለ ሓድነታዊ መንግስቲ፡ ከየቚሙ ጸዊዑ።
“ከምዚ ዝኣመሰለ መንግስቲ ከም ጒጅለ ብሓደ ክንሰርሕ እንተኽኢልና ጥራይ እዩ ክዕወት ዝኽእል” ዝበለ በነት “ኣብ ክንዲ ኣብ ሕልምታትና ንእለቱ ክትግበር ምሕላም ኣብቲ ክዉንን ክትግበር ዝኽእልን ኣተኲርና ምስራሕ ከድልየና እዩ” ክብል ተላብዩ ኣሎ።