ብምርጫ ስልጣን ዝጨበጠ ሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን፡ ኢብራሂም ራኢሲ፡ ምስ ሓያላት ሃገራት ዓለም ዝግበር ዘሎ ዘተ ከም ዝቕበሎ እኳ እንተገለጸ ንረብሓ ሃገሩ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ውዕላት ክፍጽም ድሌት ከም ዘይብሉ ኣስሚሩሉ።
ኣብ ቪየና ኦስትርያ፡ ዝግበር ዘሎ ዘተ፡ ናብ ዘየድሊ ግዜ ናይ ምምጣጥ መስርሕ ንኸይከይድ ከም ዝቃወም ዝገለጸ ራኢሲ፡ ፕሮግራም ባሊስቲካዊ ሚሳይል ኢራን፡ ፈጺሙ ናብ ዘተ ዘይቀርብ ጒዳይ እዩ ኢሉ’ሎ።
ኣመሪካ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ንውዕል ኑክሌር ብምፍራስ፡ ኣብታ ሃገር እገዳ ኣንቢራ ምጽንሓ ዝዝከር እዩ።
ኢብራሂም ራኢሲ፡ ኣኽራሪ ተኸታሊ እምነት ሺዓ ኮይኑ ምስ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎ ይንገረሉ። ንሱ ድሕሪ ምምራጹ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ህዝቢ ኢራን ብልሽውና፡ ድኽነትን ኣድልዎን ክቃለስ ሕድሪ ከም ዘሰከሞ ገሊጹ’ሎ። ስልጣኑ ዘረከበ፡ ሓሰን ሮሓኒ፡ ነዚ ኣብ ምርግጋጽ ሰኒፉ ምጽንሑ’ውን ወቒሱ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኢራን እትኽተሎ ጒዳያት ወጻኢ ዝምድናታት፡ ኣብ ዘተ ንኲሌር ጥራይ ኣብ ክንዲ ዘተኩር ስፍሕ ዝበለ ንኽኽውን ከም ዝጽዕር ቃል ኣትዩሎ።