መንግስቲ ሽወደን ኣብዚ እዋንዚ ድሕነት ሽወደናውያን እተበልጽግ ሓዳሽ ናይ ድሕነት ኮሚተ ኣብ ምቛም ከም ዝርከብ ተፈሊጡ። “ጸጋታትና ካብ ናይ ሎሚ ብዝሓሸ እንጥቀመሉ ኣገባብ ከነተኣታቱ ከድልየና እዩ” ክብል ሚኒስተር ፋይናንስ ማድጊያና ኣንደርሰን ገሊጹ። ብምኽንያት ምውሳኽ ዋጋ ድሕነት፥ ተኣለይቲ ሽማግለታትን ኣብ ስራሕ ክዋፈር ዝደሊ ዓያዪን ስዊድሽ ኬይር ብዙሕ ብድሆ ገጢምዎ ከም ዝጸንሐ ብምምልካት እዛ ሓዳስ ኮሚተ ኣብ ኣርባዕተ ቀዳምነታት ኣተኲራ ክትሰርሕ እያ ኢሉ።
ዝተመሓየሸ ናይ ድሕነት ምክትታል። ውጽኢታዊ ኣጠቓቕማ ጸጋታት ኣብ ጽላት ማሕበራዊ ክንክን ቀጻልነት ዘለዎ ሞያን ናይ ስራሕ ሃዋሁን ምፍጣር። ከምኡ’ውን ኣብ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ድሕነት ዲጂታይዜሽን ምትእትታው እዮም።፡ እዛ ሓዳስ ኮሚተ ወከልቲ መንግስቲ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ኣብ መላእ ሽውደን ዝርከባ ናይ ማእከላይን ሰልፊ ዕዮን ክሳተፍ እየን። ኣብ 31 ታሕሳስ እዛ ኮሚተ ኣብ ውጥን ስርሓ ብዛዕባ ዝህሉ ገስጋስ ጸብጻብ ከተቕርብ እያ ተባሂሉ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።