ኡልፍ ክሪስተርሰን ቀዳማይ ሚኒሰተር ክኸውን ተመሪጹ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ካቢነ ሚኒስተራቱ ጽባሕ ሰሉስ ክርቊሑ ምዃኖም
ይግለጽ ኣሎ።
ኣብ የማናይ ቀጽሪ ካብ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ነዚ መዝነት ዝሕረዩ መን ምዃኖም ንጹር እዩ፡ ክብል ተንታኒ ፖለቲካዊ ዜናታት ሬድዮ
ሽወደን ቶማስ ራምበር ገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣፈኛ ፖሊሲ ቊጠባ ሰልፊ ሞደራትና ብምዃን እትዓዪ ዘላ ኤልሳቤጥ ስቫንቴሰን
ዋና ሕጽይቲ መዝነት ሚኒስትሪ ፋይናንስ ክትከውን እያ–ብመሰረት ራምበር።