ሓድሽ እማመ ግብሪ ባንክ፡ ብመንግስቲ ሽወደን ምቕራቡ፡ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ እማመ፡ ንኣብ ሽወደን ዝርከባ ባንክታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ነተን ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከባ ጨናፍር ውን፡ ግብሪ ክኸፍላ ዝእምም እዩ ክኸውን ክትብል፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግደሊና ኣንደርሾን፡ ገሊጻ።
እዘን ባንክታትን ናይ ልቓሕ ትካላትን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ናይ 150 ቢልዮን ክሮነ ዕዳ ከምዘለወን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ 01 ጥሪ 2022 ጀሚረን፡ 0.05% ግብሪ ክኸፍላ፡ ካብ ዓመተ 2023 ጀሚረን ድማ 0.06% ግብሪ ክኸፍላ ምዃነን እዚ ሓድሽ እማመ ይሕብር።
በዚ ሓድሽ እማመ መሰረት፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ 5 ቢልዮን ክሮነ፡ ኣብ ዓመተ 2023 ድማ 6 ኒልዮን ክሮነ ኣታዊ ክገብር ትጽቢት ኣለዎ።