ቆልዑ ኣዝዮም ዝፈትዉዎ “ስናፕቻት” ዝተባህለ ኣፕ፥ “ቻትቦት” ዝተባህለ ካልእ ተወሳኺ ኣፕ ምድላዉ ተገሊጹ። እዚ ኣፕ ብ
መንገዲ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣቢሉ፥ ሕቶታት ብቐጥታ ዝምልስ ክኸውን እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ኣፕ ብዛዕባ ካናቢስ ዝተባህለ
ተኽሊ ተሓቲቱ እንክምልስ “ካናቢስ ን ማሕበራዊ ንጥፈት ክውዕል ይኽእል እዩ” ብምባል እዩ ዝምልስ። ካናቢስ ዘይሕጋዊን
ወልፊ ዘትሕዝ ምዃኑን ጨሪሱ ኣይገልጽን እዩ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
እንተኾነ ግና ነቲ ኣፕ ዘፍረየ ኲባንያ ንቆልዑ ግቡእ ዘይኮኑ ሓበሬታታት ካብቲ ኣፕ ክወጹ ዝገብር ፊልተራት ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።