ፖሊስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዛዕባ ናይተን ኣብ ልዕሊ ኡፕላንድ ኣብ ዝርከብ ናይ ኑክሌሳዊ ሓይሊ መመንጨዊ ትካል ዝዘምበያ ድሮናት ብዝምልከት ተረኺቦም መርመራታት የካይዱ ከምዘለው፡ ኢኮት ንራድዮ ስቫሪየ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ኣብቲ ከባቢ ዝተራእየ ብዛዕባ ናይ ድሮን በረራ ከምዝተራእየ ዝመጸ ናይ መጠንቀቕታ ደወል፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ድሕሪ ቐትሪ እዩ ዝነበረ። ይኹን እምበር ክሳብ ሕጂ ዝተረጋገጸ ናይ ድሮን በረራ ከምዘየለ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።
“ሕጂ ኣብቲ ቦታ ስራሕና እና ኣካየድና ኢና ዘለና፡ ድሕሪኡ እንታይ ክንብል ከምዘለና ድሕሪ ኣብቲ ቦታ ኮንና ንገብሮ ግምገማ እዩ ዝውስኖ” ክብል ወሃብ ቃል ናይ ፖሊስ ቲቢያስ ንተተ ሓቢሩ።
ኣብቲ መርመራ፡ ሓንቲ ሄሊኮፕተር ዝተሳተፈት ምዃና ተፈሊጡ’ኳ እንተሎ፡ እቶም ፖሊስ ግና ተወሳኺ ሓበሬታ ክህቡ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ እዩ ተሓቢሩ።
ፖሊስ፡ ነዚ ሓበሬታ ብዝምልከት ካብ ውልቀ ሰባት ድዩ መጽዩ ወይ ድማ ካብቲ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ብዝምልከት ወላሓንቲ ዘበሉዎ ነገር የለን። ክሳብ ሕጂ’ውን ‘ወንጀል ተፈጺሙ እዩ’ ዝብል ቅዋም ከምዘየለ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።
ኣህሌን ከምዝሓበሮ፡ ኣብቲ ቦታ ተረኺብና እኹል መርመራታት ንኽንገብር ድልዋት ክሳብ ንኸውን፡ ክንጽበይ ኢና ክብል ገሊጹ።