ቫይረስ ኮሮና ናብ ሽወደን ብመንገዲ ዴኒማርካውያን ኣትዩ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ካብ ኮፐንሃገን ዩኒቨርስቲ ዝወጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ከምዝሓበረ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ።
እዚ ኣብ ዴኒማርክ ብብዝሒ ዝረአ ዘሎ ለውጢ (Mutation) ዘካየደ ዓይነት ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ መጀመርያ ምስ ናይ በረድ ተንሸርተቲ ዝኾኑ ገያሾ ካብ ኣውስትርያ ናብ ዴኒማርክ ከምዝኣተወን ቀጺሉ ድማ ዴኒማርካውያን ነዚ ቫይረስ ናብ ካልኦት ከም በዓል ሽወደን፡ ላትቭያን ኣይስላንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣሰጋጊረሞ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ክብል ተመራማሪ ማትያስ ክሪስታንደል ንመርበብ ሓበሬታ ዴኒማርክ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ሽወደን፡ ላትቪያን ኣይስላንድን ዝረአ ዘሎ ዓይነት ቫይረስ፡ እቲ ብብዝሒ ኣብ ዴኒማርክ ዝረአ እዩ። እቲ ቫይረስ ኣብ ዴኒማርክ ለውጢ ድሕሪ ምግባር ናብዘን ሃገራት ሰጊሩ ክኸውን ከምዝኽእል ክሪስታንደል ኣብሪሁ።
እዚ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት መጽናዕቲ ቅቡል ምዃኑ ቅድሚ ምቅላሕ ብኻልኦት ውልቃውያን ክኢላታት ክግምገም ይግባእ።
እቶም ተመራመርቲ ኣብ ልዕሊ 700 ናይ ዴኒማርካውያን ቅምሶታትን 30 ሽሕ ናይ ወጻእተኛታት ቅምሶታትን ናይ ዲ ኤን አይ (DNA) መርመራታት ከምዘካየዱ ተፈሊጡ ኣሎ። መርመራታት ዲ ኤን አይ (DNA)፡ ቫይረስ ኮሮና ብኸመይ ኣገባብ ናብ ካልእ ሰብ ከምዝሰጋገርን እንታይ ዓይነት ለውጥታት ከምዘካይድን ንምፍላጥ ዝሕግዝ እዩ።