ሊብያ፡ ንቅልውላው ስደተኛታት ንበይና ክትጾሮ ትኽእል ኣይኮነን ክብል ግዜያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ድበይባ፡ ገሊጹ።
ስርሒታት መድሓን ስደተኛታት ውጽኢታዊ ንክኸውን፡ ነዚ ጾር ንምስካም ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ዘድሊ ስጒምቲ ክወስድ ይግብኦ ኢሉ። ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሊብያ 570 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣለዉ።
ብኔቶ ዝድገፍ ወፍሪ ንሙዓመር ቐዛፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ እዛ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ካብ 2011 ንደሓር ኣብ ደማዊ ግርጭት ከም እትርከብ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ዝገብርዎ ስደት ከም ቀንዲ መሰጋገሪ ከም ዝጥቀሙላ ጸብጻባት የመልክቱ።
ሽግር ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ጾር ሊብያ ጥራይ ኣይኮነን። ንመላእ ዓለም ዝምልከት ጒዳይ እዩ ክብል ዲበይባ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ ኔሩ’ዩ። ብመሰረት እቲ ብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመወሎ በይነ-ሊብያዊ ዘተ፡ እታ ሃገር፡ ናብ ዕግርግርን ምብትታንን ከይተምርሕ ብዝብል ምኽንያት፡ ዲበይባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከም ምዱብ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ክኸውን ከም እተገብረ ዝዝከር እዩ።
ካብ 2014 ክሳብ ሎሚ ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ስደተኛታት እቶም 20 ሽሕ ዝኾኑ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ምሟቶም ጸብጻባት ኣህጒራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) የመልክቱ። ኣብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣዝዩ ሓደገኛ መንገዲ ስደተኛታት ክብል ዝጠቐሶ ማእከላይ ባሕሪ ልዕሊ 17 ሽሕ ስደተኛታት ምህላዎም ተመልኪቱ።
ስደተኛታት ካብ ማእከል ባሕሪ እናተጠልፉ ናብታ ብፖለቲካዊ ቅልውላው ትሕመስ ዘላ ሊብያ ክምለሱ ይግበሩ ምህላዉ ከም ዝዂንንዎ ኣህጒራውያን ወኪላት ይገልጹ ኣለዉ። ካብ ለካቲት 2017 ንደሓር፡ ብኸምዚ ኣገባብ፡ 36 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ክምለሱ ከም እተገብሩ ኣሃዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓለዋ ገማግም ሊብያ ንምጥንካር ናይ 90 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።