ካብቶም 349 ኣባላት ባይቶ እቶም 299 ነቲ ሓድሽ ሕጊ ብምድጋፍ ነዚ ነዊሕ ግዜ ዝገበረ ሕቶ ኣብዚ ግዜ መልሲ ንኽረክብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሙኻኑ እዩ፡።
እቲ ባይቶ ዳርጋ ብምሉኡ ነዚ ሕግዚ ደጊፉዎ፡ በዚ ድማ ኩለን ኣብዚ ሃገር ዘለዋ ባንክታት ሽሩፍ ጥረ ገንዘብ ኪቕበላ እየን። ሃገር ሽወደን ሽሩፍ ጥረ ገንዘብ ብምጥቃም መዳይ ጽንኩር ሕጊ ነይሩዋ፡ እዚ ድማ ነቶም ብዘይካ ሽሩፍ ካልእ ዘይፈልጡ ዜጋታት ይጎድኦም ነይሩ እዩ።
”ሕጂ እቲ ፓለቲካ ፍረኖ ሒዙ። እቲ ናይ ሽሩፍ ገንዘብ ከይምዕብል ዝገበረ ኣካይዳ ስቕ ኢሉ ክጓዓዝ ብምጽንናሕ ወለ ሓደ ሰብ ሓላፍነት ከይወሰደ” ይብል ብየርን ኤሪክሶን፡ ናይቲ ምንቅስቓስ ቃልወሃቢ። …. ናይ ሎሚ ሕጊ ግን ነቶም ሽሩፍ ዘዘውትሩ ዓቢ ብስራት ከም ዝኾነ ድማ ይገልጽ።
ድሕሪ ደጊም፡ ኩለን ድኳናት ሽሩፍ ገንዘብ ኪቕበላ እየን። ሰብ ሸርፊ ድማ ኣይንቕበልን ኢና ኣይክበሃሉን እዮም ብመሰረት እዚ ሓዱሽ ሕጊ።