ሽወደናዊ መርበብ ሓበሬታ ጒዳያት ኣባይቲ Hem & Hyra for ሓደ ህንጻ እተቐብኦ ቀለም ካብ ኦሞዲታ ዝከላኸል ብዘይምዃኑ 20 ሚልዮን ክሮና ክኸፍሉ ምግዳዶም ገሊጹ። እዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ህንጻ ኣብ ኔንስቬግ ( Nynäsvägen) 40 – 44 ዝርከብ ኮይኑ ብሓደ ኲባንያ ህንጻ ከም ከም ዝተአብአን እንተኾነ ግና ብኦሞዲታ ድሕሪ ምዕናዉን እዩ እዚ ክፍሊት ኣብ ልዕሊኦም ዝተስገደደ።፡
እዚ ሃንኒየ ቦስታድ (Haninge Bostäder) ዘተባህለ ኲባንያ ኣባይቲ ንቐለም እቲ ህንጻ ምሉእ ብምሉእ ክምለስ ምግባሩን ካብ ኦሞዲታ ዝከላኸል ኣገብብ ምጥቃሙን ድማ ኣመልኪቶም። ዋና ኣካያዲ እቲ ስራሕ ኣንድርያስ ጊልበርግ እቲ ኦሞዲታ ዝስሕብ ቀለም ኣብቲ ህንጻ ዕንወት ምውራዱ እንተኾነ ግና ሕጂ ክውገድ ምግባሮን ገሊጹ’ሎ።. ብመሰረት እቲ መርበብ ሓበሬታ ዋጋ እዚ ናይ ዳግመ ምሕዳስ 20 ሚልዮን ክሮና ክበጽሕ እዩ።