ኣብ ኢንሾፒን ዝነብር ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከብ ሰብ ኣብ ወርሒ መስከረም ሓደ ለይቲ፡ ካብ ድቃሱ ኣብ ዝተባራበረሉ ግዜ ሓደ ሰብ ኣብ ቆጸርኡ ኣትዩ ብስሪንጋ ኣብ መቐመጭኡ ከም ዝወገኦ ተፈሊጡ፡፡
እቲ በቲ ገበነኛ ንማህረምቲ ዝተፈርደ ሰብ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ከም ዝተገርፈን ከም ዝተሳቐየን ብማርቴሎ ከምዝተቐጥቀጠን ብናይ ንፋስ ሽጉጥ ኣብ ርእሱ ከም ዝተተኮሰሉን ከምኡ `ውን ሰለስተ ኣስናኑ ብጉጥየት ተሳሒቡ ከም ዝወጸን ጋዜጣ ኢንሾፒንስ ፖስተን ጽሒፉ፡፡
ዓርኪ ናይቲ ግዳይ ዝኾነት መንእሰይ ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምድዋል’ዩ ንግሆ ተረኺቡ፡፡ ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ሓደ 55 ዝዕድሚኡ ሰብ ብኸቢድ ናይ መጥቃዕቲ ገበን ተኸሲሱ ከም ዘሎ እቲ ጋዜጣ ብተወሳኺ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ፡፡
ኣብ`ቲ ንምጽራዩ ዝተገብረ መርመራ፡ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ቅንኢ ከምዝኾነ `ዩ ተነጺሩ፡፡ ይኹን `ምበር፥ ዓቃቢት ሕጊ ዝኾነት ኣኒ ሾብሎን ንኤስ. ቪ.ቲ. ኡፕሳላ ከም ዝሓበረቶ፥ እቲ ግዳይ: ዓርኪ ከም ዝነበረቶን: ቅድሚ ሕጂ ውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣወዳት የዕሩኽታ ተማሳሳሊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ከምዝነበረን ገሊጻ፡፡
ብመሰረት ተረኺቡ ዘሎ ሓበረታ፥ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ናብቲ መምበሪ ገዛ ብባልኮን ሓዂሩ ከም ዝኣተወ `ዩ ዝንገር፡፡ ካብታ ገበን ዝተፈጸመትላ መዓልቲ ጀሚሩ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ ይርከብ፡፡ ጥርጡር ንኹሉ ዝቐረበሉ ክስታት ከም ዝነጸጎ ካብ ከተማ ኢንሾፒን ዝወጸ መግለጺ ብተወሳኺ የመልክት፡፡