ኣብ ወሳኒ መዝነት ናይ ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን፡ ዝሰርሕ ዝነበረ በዓል ስልጣን፡ እቲ ንታሪኽ ናይ ስራሕ ተሞክርኡን ደረጃ ትምህርቱን ዝገልጽ ዘቕረቦ ሲቪ (CV) ዝተተምየነ ምንባሩ ዳጊንዝ ኒሄተር ኣቃሊሑ። ነዚ ጋዜጣ ዳጊንዝ ኒሄተር ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን፡ ከምዘረጋገጾ ተፈሊጡ።
መዝነት ናይቲ በዓል ስልጣን፡ ንሓያልን ድኹምን ጎንታት ሓይልታት ምክልኻል ኣጽኒዑ፡ ንዓበይቲ ሰበ ስልጣን ምኽርታት ዝህብ ዝነበረ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን፡ ነቲ በዓል ስልጣን ካብ መዝነቱ ከምዝኣለዮ ክሕብር እንከሎ፡ እቲ በዓል ስልጣን ግን ብምኽንያት ውልቃዊ ጉዳያት፡ ካብ መዝነቱ ብወለንትኡ ከምዝተኣልየ እዩ ዝዛረብ።
ኣብ ታሪኽ ተሞክሮ ስራሕ (ሲቪ) ናይቲ በዓል ስልጣን ነበር፡ ኣብ ሰራዊት ዓዲ እንግሊዝ ንብዙሕ ዓመታት ከምዘገልገለን ነዊሕ ድሕረ ባይታ ከምዘለዎን፡ ከም ኣብራሪ ነፈርቲ ኲናትን ከም ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ዓዲ እንግሊዝ ኮይኑ ከምዘገልገለ እዩ ዝሕብር። ሓይሊ ባሕሪ ዓዲ እንግሊዝ ብወገኑ፡ ነዚ በዓል ስልጣን ነበር፡ ዘቕረቦ ተመክሮ ዝተተምየነን ሓቂ ከምዘይኮነን ንጋዜጣ ዳጊንዝ ኒሄተር ሓቢሩ።