ኣብ ኣመሪካ: ን68 ዓመታት: ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ: ኣብ ቀረባ እዋን እተፈትሐ: ጆ ሊጎን: ብዛዕባ እዋን ማእሰርቱን ዝተረፈ ህይወቱ ብኸመይ ከሕልፎ ከም ዝደሊን ምስ ቢቢሲ ኣገራሚ ቃለመሕትት ኣካዪዱ ኔሩ።
ንሱ ” ኣብ ሓንቲ ሼላ ንኽንድዚ ዓመታት ብምጽንሐይ ብሕቱው ዝበለ ህይወት እየ ዝፈቱ። ናብ ማእሰርቲ ካብ ዝኣቱ: ንደሓር ኣብ ግዳም እንታይ ተጌሩ ዝሰማዕኩዎ ወይ ዝረኣኹዎ ነገር ኣይነበረን። ደሓር ግን: ረድዮን ተሌቪዥንን ተፈቒዱልና” ይብል።
“ቤት ማእሰርቲ ብዙሕ ኣይጸላእኩዎን፥ ካብ ሰባት ወሰን ኢለ ብምንባረይ ካብ ሽግር ኣልዮኒ እዩ፥ ምስ ካልኦት ኣብ ዝራኸበሉ እዋን: ከም ብጾተይ እየ ዝርእዮም ኔረ፥ ንሓድሕድና ብጽቡቕ ኢና ንተኣላለ ኔርና” ክብል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፎ ህይወት ገሊጹ’ሎ።
ድሕሪ ኣስታት 70 ዓመታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጻእ ማለት: ዳርጋ ዳግማይ ልደት ምዃኑ: እንተኾነ ኲሉ ነገር ከም ዝሓደሶ ዝገልጽ ወዲ 83 ዓመት: ጆ: ዝተረፈ ህይወቱ ነታ እንኮ ዝፈልጣ ስራሕ ማለት ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ኮይኑ ክነብር ከም ዝደሊ ገሊጹ’ሎ።