ኣብ ሽወደን ብዛዕባ ዜግነት ዝህሉ ሕግታት ይቀየሩዶ ኣይቀየሩ ኣብ ዝብል ጒዳይ ክትዓት ይካየዱ ምህላዎም ተፈሊጡ። እዚ ዝበሃል ዘሎ ሚኒስተር ምክልኻል ዒራቕ ናጃሕ ኣልሻመሪ ሽውደናዊ ዜግነት ከም ዘለዎ ድሕሪ ምፍላጡ እዩ። ዴንማርክ ንኽልተ ኣባላት ዳዕሽ ዝነበሩ ዜጋታታ ዜግነቶም ክስረዝ ምግባራ ካልእ ነዚ ክትዕ ዝድርዕ ፍጻመ ኰይኑ’ሎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሶደርታን መምህር ፖለቲካዊ ሳየንስ ካረን ቦረቪ ምስ ሬድዮ ኤኮት ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ቅዋም ሽወደን ዜግነት ምስራዝ ንዝብል ፈጺሙ ከም ዝነጽግ ኣብሪሁ።
እዚ ድማ ኣብ ኣውሮጳ ካብ ዘለዉ ዜግነታት እቲ ዝፎኸሰ ይገብሮ ድማ ይብል። ይዂንምበር ዒራቓዊ መበቈል ዘለዎ ሽወደናዊ ጠበቓን ሙስዓብ ዓብዱልመጂድ ኣቐዲሙ ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ዝነበረን ሕጂ ሓላፊ ባይቶ ዓቃባዊ ሰልፊ ዘሎን ቶቢያስ ቢስትሮም ሚኒስተር ኣልሻምሪ ከመይ ኣቢሉ ዜግነት ክወሃቦ ክኢሉ ብምባል ንኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቶ ምቕራቡ ምስ ሬድዮ ኮምፓስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣልዒልዎ’ሎ።፡
ኣንጻሩ ክሲ ኣብ ዝመሰረተሉ እዋን(ማለት 10 ጥቅምቲ 2019) ሰብመዚ ሽወደን ኣልሳምሪ ሽወደናዊ ዜግነት ከም ዘለዎ ርግጸኛታት ዘይምንባሮም ዓብዱልመጂድ ገሊጹ። እቲ ኣብ 2005 ዝወጸ ኣዋጅ ሕጊ ወጻእተኛታት ዓንቀጽ 8 ኣብ ቅድሚ ዕቚባ ምሕታቱ ኣብ ዝነበረላ ሃገር ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈት ንዝጸንሐ ሰብ ዜግነት ምዕዳል ከም ዘየፍቅድን ድማ ኣብሪሁ። ብዛዕባ ሕጋዊ መሰረት ጒዳይ ሻምሪ ኣመልኪቱ ድማ ዜግነት ሽወደን ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ካብ ሽወደን ወጻኢ ናይ ኲናት ገበን እንተፈጺሙ ብመሰረት ሕጊ ሽወደን 2014 ቊጽሪ 406 መቕጻዕቲ ወይ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ይብይን እዩ ኢሉ።